ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ተለዋዋጢ ኩነታት ንምፅዋርን ምላሽ ንምሃብን ዝኽእሉ ጠንካራ ትካላት ምፍጣር ይግባእ ኢሎም ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲን ሓላፊ ፓርቲ ብልፅግና ምክትል ፕሬዚዳንት ኣይተ ኣደም ፋራህ፡፡
ኢትዮጵያ ካብ 14 ሰነ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ዘተኣናገደቶ 10ይ ግልጋሎት ምምሕዳር መንግስቲ ኣባላት ሕብረት ኣፍሪካን ከምኡ እውን ሕቡራት መንግስታት ኣፍሪካ ዞባዊ ፎረም ሎሚ ተዛዚሙ፡፡
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብቲ መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ÷ ዝተኻየዱ ኩሎም መርሃ ግብሪታ ብዓወት ምዝዛሙ ተዛቦም፡፡
ኣብ ዓለም ዝረኣዩ ዘለው ተለዋዋጢ ኩነታት ንምፅዋርን ምላሽ ንምሃብን ዝኽእሉ ጠንካራ ትካላት ምፍጣር ይግባእ ኢሎም፡፡
ግልጋሎት መንግስቲ ኣብ ኣፍሪካ ንዘመናት ዝፀንሑ ፀገማት ምፍታሕ ዝኽእል ምዃኑ ብምሕባር÷ ግልጋሎት ዝህቡ ክእለታት፣ ኣመራርሓን ዓቕሚ ምትሕብባርን ንምጉልባት ሃገራዊ ስግግር ወሳኒ ምዃኑ ኣረዲኦም፡፡
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!