ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ተበፃሒን ተመጣጣኒን ቀረብ መንበሪ ኣባይቲ ብምዕባይ ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእ ይስራሕ ኣሎ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።
ከንቲባ ኣዳነች ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ መሰረታዊ ጠለባት ኣቑሑትን ክራይ ኣባይትን እናተረኣዩ ዝርከቡ ምኽንያት ዘይብሎም ወሰኽ ዋጋታት ንምቁፅፃር ከምኡ እውን ፅዕንቶ ናብራ ዜጋታት ንምቅላል ዘኽእሉ ዘላቒን ናይ ሓፂር ግዘን ስጉምትታት እናወሰደ ከም ዝርከብ ኣብሪሀን።
ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ብፍላይ ኣብ ዋጋ ስጋ፣ ዘይቲ ብልዒ፣ ባኒ፣ ዝተዓሸገ ማይን ክራይ ገዛውቲን ዝረኣዩ ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋታት ብዝርዝር ገምጋም ከም ዝተኻየደ ገሊፀን።
ቀረብ ፍርያት ምድንፋዕ፣ ማእኸላት ዕዳጋ ቀዳምን ሰንበትን ምስፋሕን መስመር ደላሎ ምሕፃርን፣ ማሕበራት ሸመትቲ ምጥንኻር፣ ቁፅፅርን ምኽባር ሕግን ምጥንኻር፣ ከምኡ እውን ኣብ ክራይ ኣባይቲ ዝምድና ኣካረይቲን ተኻረይቲን ብሕጊ፣ ብስምምዕነት ውዕሊን ብሓባራዊ ሓላፍነትን ክምራሕ ዝብሉ ስጉምትታት እናተወሰዱ ከም ዝርከቡ ኣብሪሀን።
ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፤ ፀገማት ቀረብ ካብ መሰረቶም ብምፍታሕ ፍትሓዊ ስርዓት ዕዳጋ ብምርግጋፅን ዘይሕጋዊ ወሰኽ ዋጋታት ብምቁፅፃርን ፅዕንቶ ናብራ ዜጋታት ንምንካይ ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ስምምዕነት ከም ዝተበፅሐ ኣመልኪተን።
ሕብረተሰብ ኣብቶም ምምሕዳር ዘዳለዎም ማሕበራት ሸመትቲን ዕዳጋታት ሰንበትን ብምሽማት፣ ወፃኢ ናብራኡ ንኽንክይ ፃውዒት ዘቕረባ እንትኾና፣ ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋ ዝገብሩ ኣካላት ካብ ተግባራቶም ክቑጠቡ እውን ኣፅንኦት ሂበን።
ዜጋታት ዘይግቡእ ወሰኽ ዋጋ ወይ ጥሕሰት ሕጊ ዕዳጋ እንተጋጢምዎም ብቑዕ መርትዖ ብምቕራብ ናብ ዝምልከቶ ኣካል ምምሕዳር ከተማ ሪፖርት ክገብሩ፣ ካብ ዝተረጋገፀ ሓበሬታ ወፃኢ ወረታት ካብ ምዝርጋሕ ክቑጠቡን፣ ፍትሓዊ ስርዓት ዕዳጋ ብሓባር ክድግፉን ኣተሓሳሲበን።