ተሳተፍቲ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ክዕዘቡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝሳተፉ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኣማራፂታት ኢንቨስትመንት ክዕዘቡ ፃውዒት ቀሪቡ፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ኣጀንዳታት መመሓየሺ ኢኮኖሚ ውሽጢ ሃገር፣ ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ፣ ኣብ ዘበናዊ ፍሊያት ዞባታት ኢኮኖሚ፣ ናይ ኣፍሪካን ዓለም ለኸን ዕዳጋታት ብዘይፀገም ተበፃ ኣብ ምግባር ዝተመስረተ ስነ ምህዳር ከምዝተሃነፀ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ስትራቴጂካዊ፣ ዘላቕነት ኣብ ዘድሀበ ኣመራር ብምምስራትን ኣብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝሕደስ ሓይሊ፣ ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ኣብ ምስፋሕን ዝሐሸ ኣወሃህባ ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽንን ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ እውን ተመላኺቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ዝሰልጠነ ሓይሊ ሰብ ኣብ ሕርሻ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ ኢ-ኮሜርስ፣ መዓድንን ዞባዊ ምትእስሳር እታወትን ብምጥንኻርን ሓበራዊ ምዕባለ ኣፍሪካ ኣብ ምድንፋዕን ዝተሰርሑ ስራሕቲ ምቕራባ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸባናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment