ተሳትፎ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዝግድብ ስርዓት ክመሓየሽ ኣለዎ – ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ተሳትፎ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዝግድብ ዘይፍትሃዊ ስርዓት ንግዲ ዓለም ክመሓየሽ ኣለዎ ኢሎም፡፡

3ይ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ኣብ ቱርክሜኒስታን ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣህጉራት ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ልዕሊ 30 በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ልዑል ኢኮኖሚያዊ ፀገማት እናተፃወራ ይርከባ፡፡

በሪ ባሕሪ ዘይብልካ ምዃንን ገደብ ምንቅስቓስ ንግዲ ሃገራት ክብይን ኣይግባእን ዝበሉ እቶም ዋና ፀሓፊ፥ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ንልዑል ትራንስፖርት ወፃኢ እናተቓልዓን ኣብ ስርዓት ንግዲ ዓለም ብግቡእ ከይሳተፋ እባገበሩ ዝርከቡ ገደባት ንኽለዓሉ ኣተሓሳሲቦም፡፡

እዘን ሃገራት ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ዓለም 7 ሚኢታዊ ዝኸውን ከምዝሕዙ ብምሕባር፥ ይኹን እምበር በዚ ገደብ ምኽንያት ኣብ ምንቅስቓስ ንግዲ ዓለም ተሳትፎአን ካብ 1 ሚኢታዊ ዝበለፀ ኣይኮነን ኢሎም፡፡

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብ መደረኦም እዚ ዘይፍትሓዊ ስርዓት ንግዲ ዓለም ምስ ወድዓዊ ሓቂ ናይ ሎሚ ዝተኣሳሰረት ዓለም ዘይተጠዓዓመ፣ ውርሲ ዝሓለፈ ዘበን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢዩ ክብሉ ኮኒኖም፡፡

ዋና ዕላማ እቲ ጉባኤ ፍትሓዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ስርዓት ንግዲ ከንብርን በሪ ባሕሪ ኣብ ዘይብለን ሃገራት ናይ ምልማዕ ዕድላት ዘሎ ገደብ ምልዓልን ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ብሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ኣለሙ ስሜ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ልኡኽ ኢትዮጵያ እውን ኣብቲ ጉባኤ እናተሳተፈ ይርከብ፡፡

ብሃይለማርያም ተገኝ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook www.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment