ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢትዮጵያ ተሳትፎ ዓበይቲ ሃገራት ዘረጋግፅ ፍትሓዊ ስርዓት ዓለም ንክህሉ ብሓባር ንምስራሕ ቁርፀኛ ኢያ ኢሎም ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ኣንጎላ ሉዋንዳ ይሳለጥ ኣብ ዘሎ ሓበራዊ ኣኼባ ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ፍትሓዊን ሓቛፊን ስርዓት ዓለም ንክህሊ ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።
ዓለም ሕልኽላኽን ዝምድናታት ብዘለዎምን ፈተናታት እናተበደሀን ኣብ ዘላትሉ እዋን እቶም ፈተናታት ንምስጋር ሓቛፊነትን ብሓባር ምንቅስቓስን ኣድላዪ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም።
ተሳትፎ ዓበይቲ ሃገራት ዘረጋግፅ ፍትሓዊ ስርዓት ዓለም ንክህሉ ብሓባር ክንሰርሕ ኢና እውን ኢሎም።
እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ መደረኦም፥ ኣፍሪካ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ሕቡራት መንግስታት ቀዋሚን ትርጉም ዘለዎን ውክልና ከህልዎ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።
ፈትሓዊ ኩለ መዳይ ስርዓት ፋይናንስ ከምኡ ‘ውን ንኹሉ ወገን ማዕረ ተሳትፎ ዘርእይ ስርዓት ዓለም ንክህሉ ብሓባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።