ተበፃሕነትን ኣገልግሎትን መለለዪ መንነት ፋይዳ ንምስፋሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተበፃሕነትን ኣገልግሎትን ዲጂታል መለለዪ ማንነት ፋይዳ ንምስፋሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ ብሄራዊ ፕሮግራም መታወቅያ።

ዳይሬክተር ሳይበር ድሕንነት እቲ ፕሮግራም ካሳዬ ታፈሰ (ኢ/ር) ንፋና ዲጂታል ከምዝበልዎ፥ ናይ ባዮሜትሪክ መረዳእታታት ዘካተተ እቲ መለለዪ መንነት ናይ ሰባት መንነት ብዝግባእ ንምፍላይ ዘኽእል ኢዩ።

ብመሰረት እዚ ቅድመ ሐዚ ኣብ ባንኪታትን ካልኦት ትካላትን ኣገልግሎት ንምርካብ ታሲራ ኣምሲሎም ብምስራሕ እንትፍፀሙ ዝነበሩ ገበናት ዘትርፍ ከመዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ፋይዳ ብኦንላይን ይኹን ብኣካል ዝወሃብ ኣገልግሎት ብዝተኣማምንን ስሉጥን ኩነታት ምርካብ ከምዘኽእል ኣብሪሆም።

ተበፃሕነትን ኣገልግሎትን መለለዪ ማንነት ፋይዳ ንምስፋሕ ይስራሕ ኣሎ ብምባል፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ቁፅሪ ተመዝገብቲ ልዕሊ 29 ሚሊየን  ምብፅሑ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እውን  90 ሚሊየን ዜጋታት ንምምዝጋብ ትልሚ ተታሒዙ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረጋጊፆም።

ዓማዊት ክሳብ 30 መጋቢት 2018 ዓ.ም ሒሳብ ባንኮም ምስ መረዳእታ ፋይዳ ናይ ምትሕሓዝ ስራሕ ምፍፃም ትፅቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቦም።

መለለዪ መንነት ፋይዳ ከም ፓስፖርት ናይ ውልቀ ሰብ መፍለዪ ንምግባር ምስ ካልኦት ሃገራት ዝምድና ናይ ምፍጣር ስራሕ ከምዝካየድ ተዛሪቦም።

ብበመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment