ተበፃሕነት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ክብ ንምባል ሰሪሕና – ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተበፃሕነት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ክብ ንምባል ሰሪሕና ኢለን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው።

መበል 30 ጉባኤ ትካል ልምዓት ቀዳማዊ እመቤታት ኣፍሪካ “ፈተናታት ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካን ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ምህናፅ- ክሌማዊ ለውጢ፣ ጎንፂታትን ዘላቒ ፅባሕን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ተኻይዱ።

ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው እቲ ጉባኤ ኣመልኪተን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ መልእኽቲ፤ ኣብ መርሃ ግብሪታት ማዕርነት ፆታ፣ ጥዕናን ትምህርቲን፣ ኣብ ዓውዲ ኢኮኖሚን ክሌማዊ ለውጢን ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ኣፍሪካ ብዝበለፀ ምድንፋዕ ልዑል ግደ ኣለዎ ኢለን፡፡

ብፍላይ ድማ ደቂ ኣንስትዮ ማእኸል ዝገበሩ ማሕበራዊ ልምዓት ተግባራት ዓቕሚ ደቂ ኣንስትዮ ብዝበለፀ ከምዘጎልብቱ ኣገንዚበን።

እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣቢሉ 37 ካልኣይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ከምዘተሃነፁ ገሊፀን።

በዚ ድማ ተበፃሕነት ትምህርቲ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ክብ ንምባል ሰሪሕና ኢለን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment