ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ ብሓባር ደው ክብሉ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ ብሓባር ደው ክብሉ ይግባእ ኢለን ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ።

እተን ከንቲባ፥ “ግደ ፓርቲታት ፖለቲካ ንዝተረጋገዐ ባህሊ ስርዓት ፖለቲካ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ዝርከቡ ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ዘቲየን።

ከንቲባ ኣዳነች፥  ኢትዮጵያውያን ብሓባር ብዙሓት ኲናታት ብምኽሻፍ ሉእላውነት ሃገር ምሕላው እንተኸኣሉ እውን ኣብ ፅባሕ ዓወት ተቐራሪብካ ምዝታይ ብዘይምኽኣሎም ቅርሕንቲታት ፖለቲካ ምፍጣሮም ኣዘኻኺረን።

ስለዝኾነ ባህጎም ንምስማር ዕጥቂ ዝተሓንገጡ ሓይሊታት ምፍጣሮምን ሃገር ብዙሕ ዋጋ ምኽፋላን ኣረዲአን።

ይኹን እንበር ናይ ለውጢ መንግስቲ ሰርዓት መድብለ ፓርቲ ንክጠናኸር ንተነሓናሕቲ ፓርቲታት ደገፍ እናገበረ ከምዝርከብ ሓቢረን።

ብመሰረት እዚ ኣብ ውሽጢ ባህሊ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓዱሽ ምዕራፍ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ገሊፀን።

ተነሓናሕቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣብ ጉዳይ ብሄራዊ ረብሓ ብሓባር ደው ክብሉ ይግባእ እውን ኢለን።

 

 

ብሚኪያስ ኣየለ

Comments (0)
Add Comment