ተካእቲ ፍሪያታት ብምፍራይ ልዕሊ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ-መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዓውዲ ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ተካእቲ ፍሪያታት ብምፍራይ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋረሕ ልዕሊ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ከምዝተኽኣለ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ኩነታት ዘገናዘበ ፖሊሲ ኢንዱስትሪ ናብ ስራሕ ብመእታው ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ካብ ወፃኢ ዝኣቲ ዝነበረ 10 ነጥቢ 34 ቢሊየን ዶላር ዝግመት ፍሪያት ምትራፍ ከምዝተኽኣለ ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብሪሆም።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ተካእቲ ፍሪያታት ብምፍራይ ልዕሊ 3 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ምድሓን ተኻኢሉ ኢሎም።

ብጎስጋስ ኢትዮጵያ ተፍሪ፣ ምምሕያሽ ቀረብ ልቓሕን ሓይሊ ኤሌከትሪክን፣ እታዎታትን ምትእስሳር ዕዳጋን ብምፍጣር ብምኽኒያት ኮቪድ፣ ስእነት ሰላምን ካልኦት ምኽያታትን ተዓፂዮም ዝነበሩ ኢንዱስትሪታት ስርሖም ክጅምሩ ብምግባር ኣብቲ ዓውዲ ምንቕቃሕ ምፍጣር ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኣፍራዪ ኢንዱስትሪ ምምሕያሻት ብምምፃእ ናይቲ ዓውዲ ማእኸላይ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ካብ ዝነበሮ 46 ሚኢታዊ ናብ 61 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ክብ ክብል ከምዝኸኣለ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ ቱሪዝም፥ ነባር ስፍራታት ቱሪዝም ብምሕዳስን ሓደሽቲ ስፍራታት ብምህናፅን ተመራፅነት ክውስኽ ምኽኣሉ ገሊፆም።

ብዓውዲ ኮንፈረንስ ቱሪዝም ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋረሕ ጥራሕ 84 ዓለም ለኸ ጉባኤታት ምክያዶም ኣብሪሆም።

ብዘመን በየነ

Comments (0)
Add Comment