ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መቐጢኦም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ተወከልቲን ዲፕሎማሰኛታትን ዓለም ለኸ ትካላት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ መብፅሒታት ቱሪስት ሃረርን ድሬዳዋን ዑደት ገይሮም፡፡
እቲ ዑደት ሚኒስቴር ቱሪዝምን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ኣተሓባባራይነት ከምዝተሰናደአ ተገሊፁ፡፡
ብሚኒስትር ቱሪዝም ሰላማዊት ካሳ ዝተመርሐ ዑደት ልኡኽ ኣብ ከተማ ድሬዳዋ እንትበፅሕ ብከንቲባ እታ ከተማ ከድር ጁሃርን ካልኦት ኣመራርሓ እታ ከተማ ኣቀባብላ ተገይሩሉ።
ዋና ዳይሬክተር ላይዘን ኦፊስ ዩኔስኮ ኣብ ኢትዮጵያ ሪታ ቢሱናት (ዶ/ር)ን ላዕሎዎት ዲፕሎማሰኛታት ኣብቲ ዑደት እናተሳተፉ ይርከቡ።
ጎድና ጎድኒ እቲ ዑደት ኣብ ዕድላት ኢንቨስትመንትን ምትሕብባርን ከምዝዛተ ትፅቢት ይግበር።
ብለይኩን ኣለም
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!