ተግባራት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን

ተግባራት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ወርሒ ሚያዝያን ግንቦትን ዝወገኑዎም ቁልፊ ተግባራት ምስ ስእላዊ መግለፂ!

ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪን ኢኮኖሚያዊ ሉኣላዊነትን:-

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ናፅነት ኢኮኖሚ እታ ሃገር ንምርግጋፅ፣ ናይ ነዊሕ እዋን ዕቤት ኢንዱስትሪን ኣተውቲ ፍርያታት ብፍርያት ውሽጢ ሃገር ምትካእ መሰረት ዝገበሩ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ዓውዲ ምፍራይ ብንቕሓት ፈርዮም፤ በዚ ድማ ቀረብ ፋይናንስ ኣብ ምዕባይ ዘድሀበ 4ይ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ ብዕሊ ከፊቶም ኢዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓቕሚ ዝሕደስ ሓይሊ ንምድንፋዕ ሓዱሽ ስራሕ ዝጀመረ ፋብሪካ መፍረዪ ሶላር ሴል ጎበዜ ከምኡ እውን፣ ጥረ ኣቕሑት እቲ ከባቢ ብምጥቃም ኣተውቲ ፍርያታት ንምትካእ ዝዓለመ ኣብ ከተማ ሞጆ ዝርከብ ፋብሪካ ግራንደር መፍረዪ ሴራሚክ እውን መሪቖም ከፊቶም ኢዮም።

ዝለዓለ ስርዓት ጥዕናን ዘበናዊ ኣገልግሎታትን:-

ኢትዮጵያ ብፍሉይን ብዝለዓለን ብቕዓት ሕክምና ዞባዊ ማእኸል ንምዃን ትገብሮ ስትራቴጂካዊ ጉዕዞ ሸቶ ንምዕዋት እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣዚዮም ብዝዘመኑ ቴክኖሎጂታት ሕክምናን ብሮቦቲክስ ዝተሓገዘ ከምኡ እውን ሕማማት ካንሰርን ልቢን ኣብ ውሽጢ ሃገር ንምሕካም ዝተሃነፀ ዘበናዊ ሆስፒታል ላፍቶ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዕሊ መሪቖም ከፊቶም፡፡

መሰረተ ልምዓት፣ ዘላቒ ኣገልግሎታትን ትራንስፖርትን:-

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ንግዲን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ዘጠናኽርን መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ መበል 24 መብፅሒ ውሽጢ ሃገር ዝኾነ ሓዱሽ መዕርፎ ነፈርቲ ነገሌ ቦረና ገዳ መሪቖም፤ ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ወረዳ ጎመሌ ዝርከብ ግድብ ደሴ ጎራ ሓዊሱ ፕሮጀክቶች መስኖ ፊና ኦሮሚያ ከምዝተዛዘሙ ዝተኸታተሉ እንትኾኑ ንፁህ መስተ ማይ ንምቕራብ ንነዊሕ እዋን ዝዘልቕ ድርቂ ናይ ምፅዋር ዓቕሚ ንምህናፅ ዝተሓንፀፀ መጠነ-ሰፊሕ ስራሕቲ ምስፍሕፋሕ ፕሮጀክት ቀረብ ማይ ቦረና ዝተገበረ ዑደት እውን ብላዕለዋይነት መሪሖም።

ትራንስፎርሜሽን ሕርሻን ሉኣላዊነት ምግቢን:-

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ክላስተር ሕርሻ ንምስፍሕፋሕን ኣብ ዋና ዋና ሕርሻ ክልላት ናይ ባይታ ዑደት ዝገበሩ እንትኾኑ በዚ ድማ ፍርያት ዘበናዊ ዱኽዒ ዩሪያ ውሽጢ ሃገር ንምዕባይ ዝተሓሰበ ከይዲ ህንፀት ፋብሪካ ንምግምጋም ምስ ኣሊኮ ዳንጎቴ ናብ ጎዴ ተጓዒዞም።

ፖሊሲ ሚዲያን ብሄራዊ ሉኣላዊነትን:-

ትካላት መንግስቲን ብሄራዊ ናፅነት ፖሊሲን ንምጥንኻር ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሃገራዊ መድረኻት ዘተ ተረኺቦም። ዲጂታላይዝድ ናብ ዝኾነን ርእሱ ናብ ዝኸኣለ ማዕቐፍ ስታቲስቲክስን ዝግበር ሃገራዊ ስግግር ንምድጋፍ “ሉኣላዊነት ሓበሬታ ንናፅነት ፖሊሲ” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተሰናደአ ብሄራዊ ጉባኤ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ካብዚ ብተወሳኺ ኮሚሽን ብሄራዊ ዘተ ናብ ትግበራ ምዕራፍ ክሰጋገር ዝቐረበ ዕላዊ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ስራሕ ተቐቢሎም።

ሓለዋ ባህሊን ክንክን ከባቢን:-

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ስርዓት ገዳ ታሪኽን ፍልስፍናን ንምሕላው ኣብ ከተማ ያቤሎ ዝተሃነፀ ማእኸል ባህሊ ቦረና እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር መሪቖም ዝኸፈቱ እንትኾኑ እቲ ማእኸል ካብ መሸጣ መፅሓፍ መደመር ዝተረኸበ ኣታዊ ዝተደገፈ ከምዝኾነ እውን ይዝከር። ምስዚ ጎድና ጊድኒ፣ መሕለዊ ብዝሃ-ህይወትን እንስሳ ዘገዳምን ኮይኑ ዘገልግል ብራዊ ፓርክ ቦረና መሪቖም ከፊቶም።

ዓለም ለኸ ዲፕሎማሲን ክልተኣዊ ርክባትን ዘጠናኽሩ ማዕቐፋት:-

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዲፕሎማሲያዊ ምሕዝነት ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ኣብ ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ምስ ፕሬዚዳንት ፈረንሳይ ኢማኑኤል ማክሮን ዝተዛተዩ እንትኾኑ፤ ኣብ ልቓሕን ዝተፈላለዩ ዘፈራትን ስምምዓት ምሕዝነት ገይሮም። ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ፎርዋርድ ኣፍሪካ ዝተሳተፉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ካብ ዝተግበረቶም ሞዴላት ልምዓት ልምዲ ካብ ምክፋል ሓሊፉ ምስ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (IMF) ክሪስታሊና ጆርጂየቫ ዘተ ኢኮኖሚ ገይሮም። ኣብዚ ወርሒ ኣብ በዓለ ሲመት ፕሬዚዳንት ጅቡቲ እስማኤል ዑመር ጌሌን ዝተረኸቡ እንትኾኑ፤ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኔዘርላንድስ ሮብ ዬተን ናይ ስልኪ ዘተ ኣካይዶም። ኣብ መወዳእታ መበል 80 ዓመት ዝኽሪ ሕቡራት መንግስታት ምኽንያት ብምግባር እካብ ቴምብር ዕላዊ ገይሮም።

#PMOEthiopia

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment