ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ግልጋሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናተገበረ ዝርከብ ሪፎርም ንዓማዊል ፅርየት ዘለዎ ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእል እዩ ኢሉ፡፡
እቲ ግልጋሎት ዝገበሮ ፖሊሲን ምምሕያሽ ኣሰራርሓ ስራሕ ኣመልኪቱ ምስ ተወከልቲ መራኸብቲ ሓፋሻት ዘተ ገይሩ፡፡
ኣብቲ ዘተ ፈፃሚ ስራሕ ግልጋሎት ኮሙዩኒኬሽን ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣንዋር ኣብራር ከምዝበልዎ÷ተግባራዊ እናተገበረ ዝርከብ ሪፎርም ንዓማዊል ፅርየት ዘለዎ ግልጋሎት ንምሃብ ዘኽእል እዩ፡፡
እቲ ምምሕያሽ ዉፅኢታዊ ምዃን ንክኽእል ሓላፍነት መራኸብቲ ሓፋሽ ከምዘለዎም ኣረዲኦም፡፡
ተወከልቲ እቶም መራኸብቲ ሓፋሽ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ግልጋሎት ንምሃብ እናተሰርሑ ዝርከቡ ፃውዒት ነፃ ስልኪን ማእኸል ዳታ ዑደት ገይሮም፡፡
ብኤፍሬም ምትኩ
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!