ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፈተንቲ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ውፅኢት ዘበነ ትምህርቲ 2017 ዝረኽቡሎም ኣድራሻታት ዕላዊ ኮይኖም፡፡
ብመሰረት እዚ ተፈተንቲ ብዝስዕቡ ኣድራሻታት ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ጀሚሩ ውፅኢቶም ክርእዩ ይኽእሉ፡፡
ዌብ ሳይትን ቴሌግራምን ኣድራሻ ዝጥቀሙ ተፈተንቲ ግዚያዊ ሰርቲፊኬቶም ሽዑ ንሽዑ ብምውራድ (download ብምግባር) ወሲዶም ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ተገሊፁ፡፡
እቶም ኣድራሻታት፡-
- ዌብ ሳይት፡ https://result.eaes.et
- ቴሌግራም፡ https://t.me/EAESbot
- ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ (SMS)፡ 6284
ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ