ተፈጥሮ ዝሃትና ፀጋ ምክንፈልጥን ክንግንዘብን ይግባእ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ተፈጥሮ ዝሃትና ፀጋ ምክንፈልጥ፣ ክነንብብን ክንግንዘብን ይግባእ ኢሎም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣካል ውጥን መዓዲ ንትውልዲ ዝኾነ ኣብ ክልል ዓፋር ዝተሃነፀ ሎጅ ኒዒን ሌ ፓልም ትማሊ መሪቖም ከፊቶም፡፡

ዓፋር ብተፈጥሮ ኣዚዩ ዝተዓደለ ከባቢ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ መሬት ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቡ እውን ሃገሩ ዝፈቱ፣ ብርቱዕን ትጉህን ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ኣብዚ ውቁብ ክልል ብመጠኑ ኢንቨስትመንት እናሰራሕና፣ ብመጠኑ ረሃፅ እናፍሰስና ወርቁ ንምሕፋስ ዘኽእ ዕድል ንደቅና ክንህብ ንኽእል ኢና ኢሎም፡፡

ዓፋራት ብዛዕባ ስራሕ፣ ዘይምዝንጋዕን ብዛዕባ ብርተዐን ብዙሕ ከምዝዛረቡ ብምሕባር፥ ዕድል ዝሃረሱ ሰባት ኣይትቕስቅስን ዝብል ብዓፋር ዝፍለጥ ፅቡቕ ኣበሃህላ ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ዓፋር ዓብዪ ዕድል ዘለዎ ክልል ከም ምዃኑ መጠን ንሕና ብምድቃስና እምበር እዚ ቦታ ክስራሕ ዝነበሮ ቅድሚ 50ን 60ን ዓመታት ነይሩ ኢሎም፡፡

ፀጋ ተፈጥሮ ብዘይምፍላጥ እዚ ውቁብ ቦታ እንተይተረኣየ ምፅንሑ ብምግላፅ፥ ዓፋር ጋና ከምዘይተነኽአ ብምግንዛብ እዚ መበገሲን ጅማሮን ብዝበለፀ ኣዕቢና ክነቐፅል ክንተግህ ኢና ኢሎም፡፡

ግዘ ምፍላጥን ምጥቃምን ናይ ኩልና ዓሚቕ ክዳን ክኸውን ከምዘለዎ ብምሕባር፥ ዓፋረቶት “ረሃፅ ወርቂ የምፅእ ስንፍና ግን ኣቦራ የሕቁፍ” ዝብል ኣበሃህላ ከምዘለዎ ኣዘኻኺሮም፡፡

ብወንድማገኝ ፀጋዬ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment