ቱሪዝም ምስ ሕርሻ ዘተኣሳሰረ ቤኑና መንደር …

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ካብ ትካላት ሚዲያ መንግስቲን ውልቀን ዝተውፃእፅኡ ሰብ ሞያ ሚዲያ ኣብ ወሰን ቃላይ በሰቃ ዝተሃነፀ ቤኑና መንደር ተዓዚቦም።

ቤኑና መንደር ኣዚዩ ዘበናዊ መደቀሲ ክፍሊታት፣ ኣዳራሽ፣ እንዳ ሲኒማን መዘናግዒ ቦታን፣ ስፓ ከምኡ እውን ልምዓት ፍረምረን ትሩፋት ሌማትን ኣካቲቱ ዝሓዘ ኢዩ፡፡

ህንፀት እቲ መንደር ባህላዊ ጥበብ ኪነ ህንፃ ምስ ዘበናዊ ህንፀት ኣዋዲዱ ዝሓዘ እንትኀውን÷ ነቲ ከባቢ ተወሳኺ ዓቕሚ ቱሪዝም ዝፈጠረ ውቁብ መብፅሒ ኢዩ፡፡

እቶም ሰብ ሞያ ሚዲያ ኣብ ዑደቶም ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ከምዝበሉዎ÷ እቲ መንደር ልምዓት ዝረሓቖ መሬት ናብ ሓምለዋይ ዝቐየረ ኢዩ።

ሓሳብ እንድሕር ሃሊዩ ዝኾነ ይኹን ኣፅጋሚ ኩነታት ምስጋር ከምዝከኣል ዘመላኽት ኢዩ ዝበሉ እቶም ሰብ ሞያ÷ ቤኑና መንደር ዝኾነ ነገር ምግባር ከምዝከኣልን ሕልሚ ምትግባር ከምዝከኣልን መርአዪ ኢዩ ኢሎም፡፡

ቤኑና መንደር ቱሪዝም ምስ ሕርሻ ዘተኣሳሰረ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ከም ሃገር ዝተወጠኑ ኢኒሼቲቫት ሕርሻ ጋህዲ ኣብ ምግባር ዕዙዝ ግደ ከምዝህልዎ ኢዮም ሓቢሮም።

ብወንድሙ ኣዱኛ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment