ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ጆርጂያ ዘጋጠመ ሓደጋ ምሕምሻሽ ስዒቡ ቱርኪ C-130 ኣቑሑት ዝፅዕና ወታደራዊ ኣውሮፕላናታ ካብ በረራ ኣጊዳ።
ንብረት ሓይሊ ኣየር ቱርኪ ዝኾነት C-130 ኣቑሑት ትፅዕን ወታደራዊ ኣውሮፕላን ትማ ካብ ኣዘርባጃን ተበጊሳ ናብ ቱርኪ በረራ ኣብ ትገብረሉ እዋን ተሓምሺሻ ህይወት 20 ሰባት ምሕላፉ ይዝከር።
ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረሲብ ጣይብ ኤርዶሃን ኣብቲ እዋን ስብርባር እታ ኣውሮፕላን ናይ ምምላስን መበገሲ ምኽንያት እቲ ሓደጋን ናይ ምፅራይ ስራሕቲ እናተወገኑ ከምዝኾኑ ገሊፆም ነይሮም።
በዚ ድማ ቱርኪ C-130 ኣቑሑት ዝፅዕና ወታደራዊ ኣውሮፕላናታ ሙሉእ ብሙሉእ ካብ በረራ ምእጋዳ ሚኒስቴር ምክልኻል እታ ሃር ኣፍሊጡ።
እቲ ውሳነ ዝተመሓላለፈ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ካልኦት C¬-130 ኣውሮፕላናት ምርመራ ቴክኒክ ስለዘድልየን ከምዝኾነ ኤኤፍፒ ፀብፂቡ።
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!