ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤልጂዬማዊ ሓላዊ ልዳት ሪያል ማድሪድ ቲቦ ኮርቱዋ ጉድኣት ከምዘጋጠሞ ጋንትኡ ዕላዊ ገይራ፡፡
ቲቦ ኮርቱዋ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ምኅንያት ካብ 6 ክሳብ 8 ሰሙን ካብ ሜዳ ክርሕቕ ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡
በዚ ድማ ወዲ 33 ዓመት ሓላዊ ልዳት ተፃዋታይ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ምስ ጀርመናዊት ጋንታ ባየርን ሙኒክ ትገብሮ ፀወታ ርብዒ ኣውሮፓ ሻምፒየንስ ሊግ ፍፃመ ከምልጦ ከምዝኽእል ተሓቢሩ፡፡
ሪያል ማድሪድ ኣብ ኢትሃድ ምስ ማንቼስተር ሲቲ ኣብ ዝገበሮ ናይ መልሲ ፀወታ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቲቦ ኮርቱዋ ኣብ መበል 46 ደቒቕ ተቐይሮ ምውፅኡ ይፍለጥ፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!