ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ታሪካዊ ፀላእትና ይኹኑ ተለኣኣኽቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ህዝባን ዝምነይዎ ናይ ጥፍኣት ድግስ ኣይዕወትን ኢሎም ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ሰራዊት ምክልኻል ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ።
እዚ ፍሉይ ወፍሪ ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ብላቴ ዘሰልጠኖም መበል 43 ዙር ሰልጠንቲ መሰረታዊ ኮማንዶ ሎሚ ኣመሪቑ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢትዮጵያ ብብቕዓት ይኹን ዕጥቂ ዘተኣማመን ሰራዊት ናይ ምህናፅ ከይዳ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ቁፃርን ባንዳን ዘይነበርሉ እዋን እኳ እንተዘይነበረ ምስዓርን ስምዒት ታሕተዋይነትን ብዘይቕበሉ ዘይብድሁ ደቃ ሉእላውነታን ሓድነታን ተሓሊዩ ክሳብ ሎሚ ፀኒዓ መፅንሓ ኣዘኻኺሮም።
ሰራዊት ምክልኻል ብቐፃልነት ምድላዉ እናጠናኸረን ዓቕሙ ብዝሓሸ ኩነታት እናዕበየን ከምዝርከብ ኣብ መደረኦም ኣፅንኦት ሂቦም።
ብመስዋእትነት ሰራዊት ጉዕዞ ምዕባለ ኢትዮጵያ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፥ ታሪካዊ ፀላእትና ይኹኑ ተለኣኣኽቲ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ህዝባን ዝምነይዎ ናይ ህልቀት ድግስ ፈፂሙ ኣይዕወትን ኢሎም።
ብሃይለማርያም ተገኝ