ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምብራቕ ኣፍሪካዊት ሃገር ታንዛኒያ ወደብ ኣልቦ ሃገራት ተረባሕቲ ወደብ ዳሬ ሰላም ንምግባር ቆራፅ ኢየ ኢላ፡፡
ታንዛኒያ ኣብ 3ይ ጉባኤ ኣብ ምዕባይ ዝርከባ ቢ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ሕቡራት መንግስታት÷ በሪ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ወደብ ዳሬ ሰላም ንኽጥቀማ ድሌት ከምዘለዋ ገሊፃ፡፡
እተን ሃገራት ነቲ ዞባ ዋና መስመር ንግዲ ኣብ ዝኾነ ወደብ ዳሬ ሰላም ተረባሕቲ ክኾና እውን ብዙሓት ጭቡጣት ስራሕቲ ክውገኑ ጀሚረሮም ኣለዉ ኢላ፡፡
ንኣብነት ድማ ናይቲ ወደብ ዓቕሚ ከዕብዩ ዝኽእሉ ዝተፈላለዩ መሰረተ ልምዓታት ስራሕቲ ህንፀት እናተወገኑ ከምዝርከቡ ኣመልኪታ፡፡
ኢትዮጵያን ዩጋንዳን በሪ ባሕሪ ብምርካብ ኢኮኖሚአን ንምዕባይ ዝገብረኦ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚባ፡፡
ብኣቤል ንዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!