ቴክኖሎጂ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተኸፊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቴክኖሎጂ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ‘ኢቴኤክስ 2025’ ካብ ሎሚ መዓልቲ 8 ግንቦት 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ንሰለስተ መዓልቲታት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።

ምምሕዳር መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ኢንስቲትዩት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ ኢትዮጵያን ብሓባር ዘሰናድኡዎ እቲ ኤክስፖ፤ ኣብ ድሕንነት ሳይበር፣ ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስ፣ ፋይን ቴክ፣ ስማርት ሲቲን ትምህርቲ ቴክኖሎጂን መሰረት ዝገበሩ ሓሙሽተ ዓውዲታት ትኹረት ዝሓዘ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዓውዲ ቴክኖሎጂ ከም ሃገር ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንዓለም ንምርኣይን ኣብ ቀፃሊ ክስርሑ ዝግበኦም ጉዳያትን ተወሳኺ ዓቕሚ ንምፍጣር ዝዓለመ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ንሰለስተ መዓልቲ ፃሒት ዝህልዎ እቲ ኤክስፖ፤ ውድድራት ኣርቲፊሻል ኢንተለጀንስን ሮቦቲክስን፣ ዓውደ ምርኢት ከምኡ እውን ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ንኣፍሪካ ዓቕሚ ዝፈጥሩ ብዙሓት ልዝባት ከምዝግበሩ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment