ትራምፕ ኣብ ኢራን ንፍፅሞ ኢና ንዝበልዎ መጥቃዕቲ ዘቐመጥዎ ግዜ ገደብ ዳግማይ ኣናዊሖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኢራን ወሽመጥ ሆርሙዝ እንተዘይተኸፊቱ መጥቃዕቲ መሰረተ ልምዓታት ንዝፈፀምዎ ናይ ግዜ ገደብ ዳግማይ ኣናዊሖም።
እቶም ፕሬዚዳንት ቅድሚ ሰሙን ኢራን ወሽመጥ ሆርሙዝ ኣብ 48 ሰዓታት ውሽጢ ክፍቲ ክትገብር ኣተሓሳሲቦም፤ እዙይ እትገብር ተኾይና ብሓይሊ መሰረተ ልምዓታት መጥቃዕቲ ክፍፅሙ ምጥንቃቖም ይዝኸር።
ኮይኑ ግና ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ምስ ኢራን ውፅኢታዊ ዘተ ምክያዶም ብምግላፅ፤ ዘቐመጥዎ ግዜ ገደብ ብሓሙሽተ መዓልታት ከምዘናውሖ ገሊፆም።
እቶም ፕሬዚዳንት ቅድሚ ሰሙን ንኢራን ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ወሽመጥ ሆርሙዝ ክትከፍቶ ኣተሓሳሲቦም፣ እዙይ ዘይትገብር እንተኾይና ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓታት መጥቃዕቲ ከምዝፍፅሙ ምጥንቃቆም ይዝከር።
ኮይኑ ግና ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ምስ ኢራን ኣፍራዪ ውፅኢታዊ ዘተ ምግባሮም ብምሕባር፤ ዘቐመጥዎ ግዘ ገደብ ናብ ሓሙሽተ መዓልታት ምንዋሖም ገሊፆም፡፡
ብሃይለማርያም ተገኝ
Comments (0)
Add Comment