ትራንስፖርት ባቡር ንዓውዲ ቱሪዝም ልዑል ዓቕሚ ዝህብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምንቅስቓስ ትራንስፖርት ባቡር ንዓውዲ ቱሪዝም ልዑል ዓቕሚ ዝህብ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም እንደገና ኣበበ (ዶ/ር)።

ሚኒስቴር ቱሪዝም ምስ ማሕበር ኣክሲዮን ኢትዮ-ጅቡቲ ብምትሕብባር ምስ ሰብ ሞያ ትካላት ሚዲያ ፈጠርቲ ፅዕንቶ ማሕበራዊ ሚዲያን ብምዃን ኣብ ቤኑና መንደር ዑደት እናካየደ እንትኸውን÷ ትራንስፖርት ባቡር ንቱሪዝም ዘለዎ ግደ ብዝብል ሓሳብ ስራሕቲ ቱሪዝም ባቡር ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።

እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ምስ ማሕበር ኣክሲዮን ኢትዮ-ጅቡቲ ብምትሕብባር ኢትዮጵያ ዘለዋ ፀጋታት ቱሪዝም ናይ ምፍላይ ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ትራንስፖርት ባቡር ንዓውዲ ቱሪዝም ዘለዎ ኣበርክቶ ትካላዊን ክኸውን ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ቱሪዝም ብዘይ ትራንስፖርት ምሕሳብ ኣይከኣልን ኢሎም።

ቅድሚ ሕዚ ትራንስፖርት ባቡር ብግቡእ እናተጠቐምና ኣይነበርናን ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ባቡር ምስ ቱሪዝም ብምውዳድ ኣማራፂ፣ ቅልጡፍን ምቹውን ብዝኾነ መገዲ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment