ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምንቅስቓስ ትራንስፖርት ባቡር ንዓውዲ ቱሪዝም ልዑል ዓቕሚ ዝህብ ኢዩ ኢሎም ሚኒስትር ዴኤታ ቱሪዝም እንደገና ኣበበ (ዶ/ር)።
ሚኒስቴር ቱሪዝም ምስ ማሕበር ኣክሲዮን ኢትዮ-ጅቡቲ ብምትሕብባር ምስ ሰብ ሞያ ትካላት ሚዲያ ፈጠርቲ ፅዕንቶ ማሕበራዊ ሚዲያን ብምዃን ኣብ ቤኑና መንደር ዑደት እናካየደ እንትኸውን÷ ትራንስፖርት ባቡር ንቱሪዝም ዘለዎ ግደ ብዝብል ሓሳብ ስራሕቲ ቱሪዝም ባቡር ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።
እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ምስ ማሕበር ኣክሲዮን ኢትዮ-ጅቡቲ ብምትሕብባር ኢትዮጵያ ዘለዋ ፀጋታት ቱሪዝም ናይ ምፍላይ ስራሕ እናተሰርሐ ይርከብ፡፡
ትራንስፖርት ባቡር ንዓውዲ ቱሪዝም ዘለዎ ኣበርክቶ ትካላዊን ክኸውን ንምግባር እናተሰርሐ ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ቱሪዝም ብዘይ ትራንስፖርት ምሕሳብ ኣይከኣልን ኢሎም።
ቅድሚ ሕዚ ትራንስፖርት ባቡር ብግቡእ እናተጠቐምና ኣይነበርናን ዝበሉ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ባቡር ምስ ቱሪዝም ብምውዳድ ኣማራፂ፣ ቅልጡፍን ምቹውን ብዝኾነ መገዲ ኣብ ረብሓ ምውዓል ከምዘድሊ ኣገንዚቦም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!