ኣዲስ ኣበባ፣29 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካላት ሃይማኖት ሓድነት ብምጥንኻር ሰላም ሃገር ንምፅናዕ ዘለዎም ግደ ምጥንኻር ይግባእ ኢሉ ሚኒስቴር ሰላም፡፡
ጉባኤ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያ ዘሰናደኦ 4ይ ሃገር ለኸ ጉባ ሰላም “ሃይማኖታት ንሰላም፣ ንሓድነትን ሕብረትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ሃረር ብዝተፈላለዩ ምድላዋት እናተኻየደ ይርከብ።
ሚኒስትር ዴኤታ ሰላም ከይረዲን ተዘራ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ትካላት ሃይማኖት ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሰላም ሃገር ንምፅናዕ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ ኢዩ፡፡
ኣቦታት ሃይማኖት፣ ኣባገዳታትን ዓበይቲ ዓዲን ብዛዕባ ምፍቕቓር ማሕበረሰብ ብዛዕባ ሰላም ምስ ህዝቢን መንግስቲን ብሓባር ዝውግኖም ተግባራት ንዕቤትን ሕብረትን ልዑል ግደ ከምዘለዎም ተዛሪቦም፡፡
እዚ ተግባር ብዝበለፀ ክቕፅል ብምግባር ንሓድነት ሃገር ብሓባር ፅቡቕ ውፅኢት ክነምፅእ ኣለና።
እቲ ጉባኤ ሰላም ኣብታ ሃገር ብዘላቕነት ፀኒዑ ንኽቕፅልን ህዝቢ በዓል ዋና ሰላም ኮይኑ ንኽሰርሕ ኣቦታት ሃይማኖትን ምእምናን ብዝበለፀ ንኽሰርሑ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ሓቢሮም።
ብጌታሰው የሽዋስ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!