ትካላት ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ ብራኸን ምውዳድን ክሰርሓ ይግባእ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ትካላት ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ ብራኸን ምውዳድን ክሰርሓ ኣለወን ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር እዚ ዘበሉ ንቀዳማይ ሚኒስትር ተፀዋዕቲ ዝኾና 14 ትካላት ኣፈፃፅማ በጀት መንፈቕ ዓመት 2018 ኣብ ዝተገምገመሉ እዋን ኢዩ፡፡

ኣብ ዓመታት ሓደ ቀንዲ ፕሮጀክት ምፍፃም ሕልሚ ዝኾነላ ኣፍሪካ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ዓበይቲ ፕሮጀክታት እናመረቐት ከምትርከብ ተዛሪቦም፡፡

ናይ ለውጢ መንግስቲ “መገዲና ምድማር ሸቶና ምዕባለ” ብዝብል ከም ከውሒ ኣብ ዝፀንዐ ቅዋሙ ብፍሉይ ሓሳብ መንግስትነትን ኣመራርሓ ብፅንዓት፣ ብፍልጠትን ብድፍረትን ብምስራሕ ልምዓትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ታሪኽ ኣድሚቑ እናፀሓፈ ይርከብ ኢሎም፡፡

ካብ ህዝቢ ብመረፃ ካርዲ ዝወሰድናዮ ኩንትራት ብልዑል ትግሃትን መንፈስ ፍቕሪ ሃገርን እናተግበርና ንርከብ ብምባል ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ካብ ምዝዛም ብተወሳኺ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቢሾፍቱ ከምኡ እውን ዓበይቲ ሃገራዊ ፕሮጀክታት ነዳዲን ዘበናዊ ዱኽዒን ኣብ ክልል ሶማሌን ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርን ከምዝተጀመሩ ኣዘኻኺሮም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ይኹን ኣብ ሽዱሽተ ኣዋርሕ እዚ በጀት ዓመት ብዘመዝገብናዮ ዓወት እናተበረታታዕና ቀፃሊ ንዝሐሸ ውፅኢትን ዓወትን ክንዳሎ ኢና ኢሎም፡፡

በዚ ድማ ንኢትዮጵያ ይኹን ንኣፍሪካ ሞዴል ዝኾነ ስራሕ ንኽስራሕ ኣገንዚቦም።

ብለይኩን ኣለም

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment