ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካላት መምርሒ ንተይተኸተሉ ልዕሊ 404 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ብር ዕድጊት ፈፂሞም ኢሉ ዋና ኦዲተር ፌዴራል፡፡
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 4ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 39 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣካይዱ።
ኣብቲ ኣኼባ ዋና ኦዲተር ፌዴራል ፀብፃብ ኦዲት በጀት ዓመት 2016 ኣቢያተ ዕዮ ፌዴራል ኣቕሪቡ።
ዋና ኦዲተር መሰረት ዳምጤ ኣብ ዘቕረበኦ ሪፖርት፤ ኣብ 70 ትካላት ፌዴራልን 7 ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈትን ልዕሊ 404 ነጥቢ 7 ሚሊዮን ብር ኣዋጅ ዕድጊት መንግስቲ፣ ደምቢን መምርሒን ዘይተኸተለ ዕድጊት ተፈፂሙ ተረኺቡ ኢለን።
መምርሒ እንተይተኸተሉ ዕድጊት ብ ሞንጎ ዝፈፀሙ ትካላት ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን፣ ሚኒስቴር ማይን ማይን ኢነርጂን ከምኡ እውን ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶ ከምዝርከቡዎም ዋና ኦዲተር መሰረት ዳምጤ ተዛሪበን፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ዩኒቨርሲቲ ኣርሲን ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ማእኸላይ ከፈልቲ ግብሪ ቁፅሪ-2 ሚኒስቴር እቶትን ቅርንጫፍ ጽ/ቤት ኣብ ውሽጢ እቶም ትካላት ከምዝኾኑ ገሊፆም።
ብሃይለማርያም ተገኝ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!