ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካላት ፀጥታን ድሕንነትን ኢትዮጵያ ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ንምሕላው ዘኽእል ትካላዊ ዓቕሚ ሃኒፆም እዮም ኢሎም ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል።
እቶም ላዕለዋይ ኣዛዚ ፖሊስ ፌዴራል እዚ ዝበሉ፤ ኣብ መዛዘሚ መድረኽ ኮሚሽነራት ፖሊስ ኢትዮጵያን ሓፍቲ ስራሕ ፀፅታን ሰላምን ሓባራዊ መድረኽ እዩ።
እቲ የፀጥታ ሓይሊ ካብ ውሽጢ ደገን ብግብረ ራዕዳውያንን ፅንፈኛታትን ዝተወጠኑ ብዙሓት ሽርሒታት ብምፍሻል ኢትዮጵያ ዘይትብዳህ ሃገር ምዃና ብተግባር ኣረጋጊፁ እዩ ኢሎም።
ሓይሊ ፀጥታ ብዘስፋሕፍሖ ዘሎ ውሁድን ተዋደደን ኣሰራርሓ ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለምለኻዊን ሁነታት ብዓወት ንኽዛዘሙ ኣበርክቶ ከምዝገበረ እውን ኣመልኪቶም።
ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኢትዮጵያ ዝኽበሩ በዓላት ሓድሽ ዓመት፣ መስቀልን ኢሬቻን፣ ከምኡውን መርሃ ግብሪ ምስረታ መንግስቲ ብዓወት ንኽዛዘሙ ግልፂ ስትራቴጂካዊ ውጥን ተሓንፂፁ ኣብ ተግባር ይውዕል ከምዘሎ ሓበሬታ ፌደራል ፖሊስ የመልክት።
ብኻልእ መዳይ ምብራኽን ምዕባለን ኢትዮጵያ ዘይደልዩ ወገናት ሓድነት ህዝቢ ንምድኻም ናይ ሕሶት ሓበሬታን ፕሮፓጋንዳን ብምዝርጋሕ ምስሊ ሃገር ንምብልሻው እንተፈተኑ እውን፤ ሓይሊ ፀጥታ ንህዝቢ ብምስታፍ ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅ ተግባሩ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፆም።