ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካል መድሕን ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ በጀት ዓመት 2018 ዓ.ም 13 ነጥቢ 8 ቢሊየን ብር ኣታዊ ረኺቡ፡፡
ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣቤል ታደሰ ከምዝበሉዎ÷ ኣብቲ መንፈቕ ዓመት ዝተረኸበ ኣታዊ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ኣብ ሙሉእ ዓመት ካብ ዝተረኸበ ዝበለፀ ኢዩ፡፡
ስርዓት ኣሰራርሓ እቲ ትካል ንምዝማንን ንምምሕያሽን ዓቕሚ ሓይሊ ሰብ ምጥንኻርን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ዲጂታላይዝ ኣብ ምግባር ብትኹረት ከምዝተሰርሐ ኣመልኪቶም፡፡
ብፅሒት ዕዳጋ እቲ ትካል ኣብዚ ሕዚ እዋን 45 ነጥቢ 5 ሚኢታዊ ምብፅሑ ዝገለፁ ኣይተ ኣቤል÷ ኣብዚ ዓመት ዕዙዝ ኣፈፃፅማ ንኽምዝገብ እቲ መመሓየሺ ጭቡጥ ውፅኢት ከምዝነበሮ ተዛሪቦም፡፡
50 ዓመታት ብገልግሎት መድሕን ዝዘለቐ እቲ ትካል እቲ ዓውዲ ኣብ ምዕባይ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ኣዘኻኺሮም፡፡
ብሃይማኖት ኢያሱ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!