ትካል መድን ኢትዮጵያ መበል 50 ዓመት ምስረትኡ የኽብር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ትካል መድን ኢትዮጵያ ንቐፃሊ ክልተ ኣዋርሕ ዘካይዶ ዕላዊ ክብረ በዓል ወርቂ እዮቤልዮ መበል 50 ዓመት ምስረትኡ የኽብር ኣሎ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣቤል ታደሰ፥ እቲ ትካል ኣብ መድን ኢንዱስትሪ ፈላማይ ብምዃን ዕዉት ስራሕ ኣካይዱ ኢሎም።

እቲ ትካል እንትምስረት ዝነበረ መጠን ውሕስና 9 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር እንትኸውን፥ ሐዚ 12 ነጥቢ 8 ትሪሊየን ብር ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ሓፈሻዊ ሃፍቲ እቲ ትካል 24 ነጥቢ 3 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐ አወን ተዛሪቦም።

ክሳብ ሐዚ ልዕሊ 130 ዘፈራት ከምዝወነነ ገሊፆም።

ብሃመልማል ዋለ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

 

 

Comments (0)
Add Comment