ትኹረት መራኸብቲ ሓፋሽ ዓለም ዝሰሓበ ጉዕዞ ብራኸ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣረኣእያ ዓለም ምስሊ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ክልተ ኣዚዮም ዝፃረሩ ዛንታታት ታሪኽ ዝተፅሓፈ እዩ።

ብሓደ ገፅ ንዘበናት ዝተሳገረ ክብሪ፣ ጥንታዊ ስልጣነን ወናንነት ናፅነትን ይርከብ፤ ብኻልእ ወገን ድማ ርእስኻ ዘይምኽኣል፣ ተመፅዋትነትን ድኽነትን ዝብሉ ተፃረርቲ ምስሊታት ተፃሒፎም ኣለዉ።

አዚ ከምዚ እሉ እናሃለወ ናይዚ ዓመት ሓሙሽተ መዓልታት ወርሒ ጳጉሜን “ብራኸ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ክኽበሩ እዮም። ከመይ ማለት? ኢትዮጵያ ካብምንታይ እያ ትብርኽ?

መልሱ ብሓደ ወይ ብኽልተ ፍፃመታት ጥራሕ ክግለፅ ዝኽእል ኣይኮነን። እዚ በራኸ እዚ ኣብ ኢኮኖሚ፣ መሰረተ ልምዓት፣ ቴክኖሎጂን ሓድነት ህዝቢን ዝተመስረተ ሓፈሻዊ ለውጢ እዩ። ገለ ደቓይቕ ወሲድና፣ ቁፅሪታት ብምንፅፃር ንመርምሮ።

እዚ ዓመት ናይ ኢትዮጵያ ምብራሕ እዩ ክንብል ከለና…

2018 ዓ.ም ንሓፈሻዊ ምዕባለን ልዕልናን ከረጋግፁ ዝኽእሉ ዓበይቲ ፕሮጀክታት ዝተጀመሩሉን ዝተዛዘሙሉን ዓመት እዩ።

“ዳግማይ ዓድዋ” ተባሂሉ ዝፅዋዕ ዓቢዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ተዛዚሙ ናብ ስራሕ ዝኣተወ ኣብዚ ዓመት እዚ እዩ። እቲ ግድብ ምሉእ ብምሉእ ብገንዘብ፣ ጉልበትን ፍልጠትን ኢትዮጵያውያን ዝተሃነፀ ተምሳሌት “ንኽእል ኢና” ዝኾነ እዩ።

ዓለምለኻዊ መራኸብቲ ሓፋሽ ነዚ ሓቂ እዚ እናመስከሩ ፀኒሖም እዮም፤ ብሉምበርግ እቲ ግድብ ንመንበሪ ኣባይቲን ኢንዱስትሪታትን ዘድሊ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምሽፋን ኢኮኖሚያዊ ተስፋ ኢትዮጵያ ከም ዘዕብዮ ፀብፂቡ እዩ።

ወኪል ዜና ሮይተርስ፤ እቲ ግድብ ንሚልዮናት ኢትዮጵያውያን ዘድሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከማልእ ከም ዝኽእል ምፅባፃቡ ነዚ ሓቂ እዚ ብዝበለፀ ዘረጋግፅ እዩ።

ሲኤንኤን ብወገኑ፤ እቲ ግድብ ብበጀት መንግስቲ፣ ብመሸጣ ቦንድን ብወፈያ ዜጋታትን ዝተሃነፀ ብምዃኑ፣ ሃገራዊ ሓድነትን ፋይናንሳዊ ናፅነትን ዘንፀባርቕ ፕሮጀክት ምዃኑ ገሊፁ እዩ።

ኣብ 2018 ዓ.ም ዝተመዝገቡ ዓወታት፣ ተስፋ ምብራኽ ኢትዮጵያ ዘብሰሩ እዮም። ኣብቲ በጀት ዓመት ዓቕሚ ኣተኣኻኽባ እቶት ኢትዮጵያ ብልዑል ብርኪ ዓብዩ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ትሪልዮን ብር እቶት ክእከብ ክኢሉ።

እዚ ኣሃዝ ምስ በጀት ዓመት 2017 እንትነፃፀር ልዕሊ 600 ቢሊየን ብር ወይ እውን ልዕሊ 67 ሚኢታዊ ሓለፋ ኣለዎ፡፡

እዚ ዕቤት እዚ ናይታ ሃገር ውሽጣዊ ዓቕሚ ብግልፂ ዘርኢ እዩ። ዓቕሚ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ ድማ ሕቶ ዜጋታት ንምምላስ ቅልጣፈን ሃገራዊ ናይ ምግባር ዓቕሚን ይውስኽ።

ዘይተርፍ ትንሳኤ ኢትዮጵያ….

ካብ ቁፅሪታትን ፕሮጀክታትን ሓሊፉ፣ ትንሳኤ ኢትዮጵያ ኣብ መንፈስ ህዝባ እውን ክረአ ዝኽእል እዩ። ህዳሰ ግድብ ንምህናፅ፣ ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ዜጋታት ካብ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ብገንዘብ፣ ብጉልበትን ብሞራልን ኣበርክቶ ምግባሮም፤ ኢትዮጵያውያን ሓባራዊ ራእይ እንተሃልዩዎም ዝኾነ ይኹን ብድሆ ከም ዘይዓግቶም ዘረጋግፅ ኣብነት እዩ።

ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻ ዝረኸበቶም ወርቃዊ ዕድላት ብብቕዓት ብምጥቃም ናብቲ ዝነበራ ክብርን ዕቤትን እናተመለሰት ከምትርከብ ናይዚ ዓመት ዓወታት ብዝደመቐ ኩነታት ኣርእዮም እዮም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment