ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ትውልዲ ንምዝርራብን ኣብ ሓበራዊ ምኽረ ሓሳብ ንምብፃሕም ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ድሉው ክኸውን ኣለዎ ኢሎም ዋና ኮሚሽነር ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)።
እቶም ዋና ኮሚሽነር ምስ ፋና ፖድካስት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝበሉዎ ምኽክር ዝቕፅልን ወለዶታት ዝርከቡዎን ኢዩ፡፡
ኣብ ዙሕነት ትኽክለኛ ርድኢት እንትኣትዎ ብዝበለፀ ከምዝድንፍዕ ብምግላፅ ብዙሕነት ፅባቐ ከምዝኾነ ምስ ፍልጠት ምትእስሳር ከምዘድሊ ኣብሪሆም።
ፀገም ኢትዮጵያ ክፍታሕ ዝኽእል ብምሁራን ጥራሕ ዘይኮነስ ንኹሉ ብዘካተተ መልክዑ ብዘተ ከምዝኾነ ሓሮም።
ምዝርራብ ልዑል ኣማራፂ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እናተዘራረብና ብዝመፃእና ቁፅሪ እናተቐራረብና ንመፅእ ኢሎም፡፡
እቶም ዋና ኮሚሽነር ኢትዮጵያዊያን ኣቐዲሞም ዝነበሩና ክብሪታት እናሓደግና ከምንርከብ ብምሕባር፤ ጎዳኢ ኣመለኻኽታ ብምግዳፍ ጠቓሚ ባህሊ ኣጠናኺርና እንተንሰርሕ ብዝበለፀ ዘኹርዕ ነገር እናሰራሕና ንኸይድ ኢሎም።
ብብርሃኑ ኣበራ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!