ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀወታ ፍፃመ ዩሮፓ ሊግ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 እንትካየድ ማንችስተር ዩናይትድ ምስ ቶተንሃም ሆትስፐር ፅዋዕ ንምዕታር ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።

ኣብ ሃገረ ስፔን ኣብ ሜዳ ትሌቲክ ቢልባኦ ስታዲየም ሳንማሜስ ዝግበር እዚ ፀወታ ፍፃመ ንክልቲአን ጋንታታት ኣዚዩ ወሳኒ ኢዩ።

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ድኹም ዓመተ ውድድር ዘሕለፋ ክልቲአን ጋንታታት፤ እቲ ፅዋዕ ንምዕታር ብሓደ ወገን ኣብ ዝቕፅል ዓመት ተሳትፎ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ንምዕዋት ብካሊእ ወገን ድማ ኣብቲ ውድድር ዓመት ቅር ዝበሎ ደጋፊ ንምኽሓስ ዘለወን ብሕታዊ ተስፋ ኢዩ።

ማንችስተር ዩናይትድ ምንም ፀወታ እንተይተሰዓረት ንፍፃመ ዝበፅሐት እንትትከውን÷ ሎሚ ምሸት ኣብ ትፃወተሉ ስታዲየም ሳንማሜስ እውን ንኣትሌ ቢልባኦን 3 ን 0 ምስዓራ ይዝከር።

ቶተንሃም ኣብቲ ሊግ ድኹም ዓመተ ውድድር ዘሕለፈ ይኹን እምበር፤ ኣብ ዩሮፓ ሊግ ስዒራተን ዝመፅአት ጋንታታት እንትረአ ግን እታ ጋንታ ኣብ ዩሮፓ ሊግ ዝነበራ ጥንኩር ጉዕዞ ዘርኢ ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment