ቻይናን ህንዲን ካብ ተናሓናሓይነት ናብ ምሕዝነት

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲን ናይ ነዊሕ እዋን ወጥሪ ዶብ ሓዊሱ ንነዊሕ ዓመታት ድሕሪ ዝፀንሐ ወጥሪ ርክበን ንምጥንኻርን ተስማዕሚዐን።

ድሕሪ ሸውዓተ ዓመታት ንፈለማ እዋን ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲ ኣብ ዝተሳተፉሉ ጉባኤ መራሕቲ ትካል ምትሕብባር ሻንጋይ (SCO) ምስ ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ቻይና ኣብ ቻይና ናይ ወደብ ከተማ ቲያንጂን ተራኺቦም።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበሩዎ ክልተኣዊ ልዝብ ፕሬዚዳንት ሺ ጂንፒንግ ከምዝበሉዎ፤ ክልቲአን ሃገራት ተናሓናሕቲ ዘይኮናስ መሓዙት ክኾና ኣለወን ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ብግደኦም፤ ኣብ ሞንጎ እተን ሃገራት ሰናይ ድባብ ሰላምን ምርግጋእን ተፈጢሩ ኢዩ ኢለን።

ከም ኣቀቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2020 ኣብ ሞንጎአን ተፈጢሩ ብዝነበረ ናይ ዶብ ጎንፂ ምኽንያት ተቛሪፁ ዝፀንሐ በረራ ኣውሮፕላን ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጅምር ምሕባሮም ቢቢሲ ፀብፂቡ።

ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ትካል ምትሕብባር ሻንጋይ ንምስታፍ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ሓዊሱ ልዕሊ 20 መራሕቲ ሃገራት፣ ዝተፈላለዩ ዓለም ለኸ ትካላት ክርከቡ ኢዮም።

ብዮናስ ጌትነት

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment