ቻይናን ህንድን ተቋሪፁ ዝፀንሐ በረራ ኣውሮፕላን ክጅምራ እየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ነሓሰ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ መንጎ ቻይናን ህንድን ንሓሙሽተ ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ቀጥታዊ በረራ ኣውሮፕላን ናብ ዝተፈላለዩ መብፅሒ ቦታታት ክጅመር እየን፡፡
እቲ ውሳነ ኣብ ዓለምና ብዙሕ ህዝቢ ዘለወን ቻይናን ህንድን ዲፕሎማስያዊ ርክብን ምትሕብባር ኢኮኖሚ እናዓበየ ምምፅኡ ስዒቡ ዝበፅሐ ምዃኑ ተሓቢሩ፡፡
በዙይ መሰረት መንግስቲ ህንዲ ኤር ኢንዲያን ኢንዲጎ ዝተብሃሉ ዓበይቲ ኩባንያታት ኣብ ቀፃሊ ሰሙናት ናብ መባፅሕ ቻይና በረራ ክጅምራ ተሓቲቱ።
ኣብ 2020 ዓ.ም.ፈ ብሰንኪ ለበዳ ኮቪድ-19 ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ዝነበረ ቀጥታዊ በረራ ኣውሮፕላን ምቁራፁ ስዒቡ እዩ፡፡
እቲ በረራ ዳግማይ ክጅመር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ሩሲያ ዝተካየደ ጉባኤ ብሪክስ ቀዳማይ ሚኒስተር ህንዲ ናሬንድራ ሞዲን ፕሬዚዳንት ቻይና ሺ ጂንፒንግን ዘትዮም ነይሮም፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቲያንጂን ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ምትሕብባር ሻንጋይ ቀጥታ በረራ ብምቅፃል ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ምትሕብባር ንምጥንኻር ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።
ቅልጡፍ ዕብየት ኢኮኖሚ ዘለወን ክልቲአን ሃገራት ግልጋሎት በረራ ከይወሰኸ ኣብ 2023 ዝነበሮም ክልቲኣዊ ንግዲ ልውውጥ 110 ቢሊየን ዶላር ምብፅሑ ኢቪየሽን ኤቱ ዜድን ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡
ብሚኪያስ ኣየለ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment