ቼልሲን በርንሌይን ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መብ 27 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲን በርንሌይን 1 ማዕረ ተፈላሊየን፡፡

ናይ ቼልሲ ሸቶ ጇኦ ፔድሮ ቅድሚ ዕረፍቲ እንተመዝግባ፤ ፍሌሚንግ ድማ ንበርንሌይ ማዕረ ዝገበረት ሸቶ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ኣመዝጊቡዋ፡፡

ኣብ ካሊእ ፀወታታት እቲ ሊግ ብራይተን ንብሬንትፎርድ 2 ን 0 እንትትስዕር፤ ኣስቶንቪላ ምስ ሊድስ ዩናይትድ ሓደ ማዕረ ተፈላሊያ፡፡

ፀወታታት እቲ ሊግ እትቕፅሉ ምሸት ሰዓት 2፡30 ዌስትሃም ዩናይትድ ምስ ቦርንማውዝ ከምኡ እውን ምሸት ሰዓት 5 ማንቼስተር ሲቲ ምስ ኒውካስል ዩናይትድ ፀወተአን ከካይዳ ኢን፡፡

Comments (0)
Add Comment