ቼልሲ ኣብ ሜዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ብሰንደርላንድ ተሳዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 9ይ ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ቼልሲ ኣብ ሜዳኣን ቅድሚ ደገፍታን ብሰንደርላንድ 2 ን 1 ተሳዒራ፡፡

ኣብ ስታምፎርድ ብሪጅ ዝተፃወታ ክልቲአን ጋንታታት ቼልሲ ብኣሌሃንድሮ ጋርናቾ እናመርሐት ትፅናሕ እምበር ኢሲዶርን ታልቢን ብዘመዝገቡወን ሸቶታት ሰንደርላንድ ክትዕወት ክኢላ፡፡

ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተኻየደ ካሊእ ፀወታ ኒውካስል ዩናይትድ ንፉልሃም 2 ን 1 እንትስዕር÷ ናይ ኒውካስል ሸቶታት መርፊን ብሩኖ ጉማሬሽን ኣመዝጊቦምወን፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment