ቼልሲ ውዕሊ ኣምበል ጋንታኣ ሬስ ጀምስ ኣናዊሓ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቼልሲ ውዕሊ እንግሊዛዊ ተኸላካኻሊ ሬስ ጀምስ ንተወሰኽቲ ሽዱሽተ ዓመታት ከምዘናወሐት ዕላዊ ገይራ፡፡

ኣምበል እታ ጋንታ ሬስ ጀምስ ክሳብ 2032 ዓ.ም.ፈ ኣብ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ክፀንሕ ኢዩ፡፡

ጀምስ ኣብ ጋንታ ቼልሲ ክሳብ ሕዚ ዝገበሮ ፃንሒት ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ፣ ኮንፍረንስ ሊግ ኣውሮፓ፣ ፅዋዕ ጋንታታት ዓለምን ሱፐር ካፕ ኣውሮፓ ክዕወት ክኢሉ፡፡

ወዲ 26 ዓመት ተፃዋቲ ሬስ ጀምስ ውዕሉ መሰናወሐ ከምዝገለፆ፤ ኣብ ቼልሲ ንነዊሕ ዓመታት ንምፅናሕ ውዕለይ ብምንወሐይ ሕጉስ እየ ኢሉ፡፡

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment