ነበር ሓላዊ ልዳት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሳዳት ጀማል ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ሓላዊ ልዳት ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሳዳት ጀማል ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ፡፡

ሳዳት ጀማል ኣብ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለያ ጋንታታትን ሓላዊ ልዳት ኮይኑ ብምፅዋት ዝሓለፈ እንትኸውን፥ ኣሰልጣኒ ሓለውቲ ልዳት ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ ብምዃን እውን ኣገልጊሉ፡፡

ነበር ተፃዋቲን ኣሰልጣኒን ሳዳት ጀማል ብዘጋጠሞ ሕማም ሓገዝ ሕክምና እናተገበረሉ ብምፅናሕ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ፡፡

ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ብሕልፈት ሳዳት ጀማል ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ብምግላፅ ንስድራ፣ ንፈተውቲን ዘመድ ኣዝማድን ፅንዓት ተመኒዩ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook FBC Tigrigna

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment