ነበር ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሓሰን ዓሊ ናብ ሃገሮም ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ናይ መጀመሪያ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ዝነበሩ ኣይተ ሓሰን ዓሊ ደሕሪ 29 ዓመታት ናብ ሃገሮም ሎሚ ተመሊሶም።

ኣይተ ሓሰን ዓሊ ምስ ስድረኦም ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር  ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ፥ ድሕሪ ኣስታት ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ናብ ሃገሮም አነትኣትዉ ኣቀባብላ ብምግባረይ ሕጉስ ኢየ ኢሎም።

ኣይተ ሓሰን ዓሊ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኦሮሞ ልዑል ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱን እቲ ክልል ሐዚ ንዝበፅሖ ብርኪ ግደኦም ርኡይ ከምዝኾነን ኣገንዚቦም።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment