ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበር ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣምባሳደር ዓሊ ኣብዶ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም፡፡
ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፀን ኣብ ዘማሓላለፈኦ መግለፂ ሓዘን÷ ብሕልፈተ ህይወት ኣምባሳደር ዓሊ ኣብዶ መሪር ሓዘን ተሰሚዑኒ ኢለን።
እተን ከንቲባ ንስድረኦም፣ ንዘመድ ኣዝማዶምን ንመላእ ህዝቢን ፅንዓት ተመኒየን፡፡
ኣምባሳደር ዓሊ ዓብዶ መበል 27 ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምዃን ከምኡ እውን ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳንን ናይጄሪያን ብምዃን ሃገሮም ኣገልጊሎም፡፡