ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ኢትዮጵያ ኣዴታት ኣብ እዋን ሕርሲ ዘጋጥም ምፍሳስ ደምን ደም ብግቡእ ክረኽባ ንምግባር እናተሰርሐ እዩ፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ሕክምና ኣገደስቲ ዝኾኑ መድሓኒታት ብእዋኑ ንክበፅሑ ኣብ ምግባር ሕሙማት ንኸቢድ ፀገም ከይቃልዑ ንምክልኻል ፃዕሪ እናተገበረ ይርከብ፡፡
ሰፊሕን ዝተፈላለየን ጂኦግራፊ ኣቀማምጣ ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣገደስቲ ዝኾኑ ነብሲ ዘድሕኑ መድሓኒታት ናብ ዝድለይሎም ከባቢታት ንምብፃሕ ፈታኒ ኩነታት የጋጥም፡፡
ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ድማ ኣናእሽተይ ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ወይ ድማ ድሮናት ንግልጋሎት ሕክምና ብምውዓል ናውቲታት ሕክምና ንምብፃሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ማናጀር ፕሮጀክት ምምሕዳር ድሕንነት መርበብ ሓበሬታ ኣይተ ካሳ ጠና ንፋና ዲጂታል ተዛሪቦም።
እተን ሰብ ኣልቦ ኣውሮፕላናት ሕፅረት ደምን መድሓኒትን እንተጋጥም ብቕልጡፍ ናብ ዝድለ ቦታ ንምብፃሕ የኽእላ ኢሎም፡፡
ሰብሞያታት ሕህምና ብህፁፅ ንክመፅእ ዝደልይዎም መድሓኒታት ክመፅአሎም ኣብ ዝእዝዘሉ እዋን ብቀጥታ ብድሮን ብምፅዓን ናብ ዝተደለየሉ እዋን ምብፃሕ ይክኣል ኢሎም፡፡
እተን መድሓኒት ዘብፅሓ ድሮናት ኣብ ውሽጢ 30 ደቓይቕ ልዕሊ 100 ኪሎ ሜትር ብምጉዓዝ ዘድሊ መድሓኒት ናብቲ ዝተሓተተ ቦታ ከብፅሓ ከምዝኽእላ ኣብሪሆም።
ከምኡ እውን እተን ድሮናት 5 ኪሎ ዝምዘን ናውቲ ናይ ምሽካም ዓቕሚ ከምዘለወን ኣብ ሓድሓደ ከባቢታት ግልጋሎት እናሃባ ከምዝርከባ ሓቢሮም፡፡
ብዮናስ ጌትነት
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!