ነዳዲ ብቑጠባን ንመሰረታዊ ነገራት ቅድሚት ብመሃብን ክንጥቀም ኣለና – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ነዳዲ ብቑጠባን ንመሰረታዊ ነገራት ቅድሚት ብመሃብን ክንጥቀም ኣለና ኢሎም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ማእኸላይ ምብራቕ ብዝተፈጠረ ቅልውላው ዘስተልዓለ ነዳዲ ገዚአን ዝጥቀማ ሃገራት ከምድላየን ንምርካብ ተፀጊመን ይርከባ፡፡
ብምዃኑ እቲ ፀገም ተፈቲሑ ናብ ስሩዕ ስርዓት ቀረብ ነዳዲ ክሳብ ንምለስ ነዳዲ ብቕጠባን ንመሰረታዊ ነገራት ቅድሚት ብመሃብን ምጥቃም ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም፡፡
ኣከፋፈልቲ ነዳዲ፣ መዕደሊታትን ተጠቀምቲን ነዳዲ ብቑጠባ፣ ንመሰረታዊ ነገራት ቅድሚት ብመሃብ ኩልና ብስምዒት ሓላፍነት ክንጥቀም ኢሎም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!