ነገሌ ኣርሲ ንወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 11 ሰሙን ፀወታ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ነገሌ ኣርሲ ንወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራታ።

ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻደ ፀወታ፤ ነገሌ ኣርሲ ዝተዓወተትላ ብሕታዊት ሸቶ ኣሸብር ውሮ ብፍፁም ቅላዕ ኣመዝጊቡዋ።

መርሃ ግብ እቲ ፀወታ ቀፂሉ እንትካየድ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሰዓት 10፡00 ጀሚሩ ባህር ዳር ከተማ ምስ ፋሲል ከነማ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ እናተፃወታ ይርከባ።

ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ድማ ካብ ሰዓት 9:00 ጀሚረን ድማ ኣርባ ምንጭ ከተማ ምስ መቐለ 70 እንደርታ እናተኻደ እንትኸውን፤ ምሸት ሰዓት 12:00 ድማ ሃድያ ሆሳእና ምስ ወላይታ ድቻ ክራኸባ ኢየን።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment