ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ‘ኒዒን ሌ ፓልም ሎጅ’ ንዓና ካብ ሓወልቲ ንላዕሊ እዩ፤ ንህዝቢ ትርፊ ዘለዎን ዝጠቅምን እዩ ኢሎም ርእሰ ምምሕዳር ክልል ዓፋር ኣወል ኣርባ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ትማሊ ኣካል ውጡን ገበታ ንወለዶ ዝኾነ ‘ኒዒን ሌ ፓልም ሎጅ’ ኣመሪቆም።
ኣይተ ኣወል ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ‘ኒዒን ሌ ፓልም ሎጅ’ ዓብዩ ፕሮጀክት ምዃኑ ሓቢሮም።
እቲ ፕሮጀክት ንምሕላውን ንምስሓብን ቱሪስ ኣብ ምስሓብ ናይ ኩሎም ዓፋር ሓላፍነት ምዃኑ ኣመልኪቶም።
ዜጋታት ናብ ‘ኒዒን ሌ ፓልም ሎጅ’ ክሪእዩ ፃውዒት ዘቕረቡ እቶም ርእሰ ምምሕዳር፤ ህንፀት እቲ ሎጅ ኣብ ምዝዛም ኣበርክቶ ንዝገበሩ ኣካላት ኣመስጊኖም።
ብኣድማሱ ኣራጋው