ናይ ሎሚ ዓመት 12 ክፍሊ ሃገራዊ ፈተና ብመርበብ ሓበሬታ ጥራሕ ክውሃብ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መዛዘሚ ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ 2018 ዓ.ም ሙሉእ ብሙሉእ ብመርበብ ሓበሬታ(ኢንቴርኔት) ንምሃብ ቅድመ ምድላዋት ይካየድ ከምዘሎ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ (ፕ/ር) ከምዝበልዎ፤ ኣብ ዝተትሓዘ ዓመት ዝውሃብ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሉ ሙሉእ ብሙሉእ ብመርበብ ሓበሬታ ክውሃብ እዩ፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፈተና ብወረቐትን ብመርበብ ሓበሬታን ክውሃብ ከምዝበረ ብምሕባር፤ ኣብዚ ዓመት ግን እቲ ፈተና ብመርበብ ሓበሬታ ጥራሕ ንምክያድ ምድላዋት ይግበር ኣሎ ኢሎም፡፡
ነዙይ ድማ ዝተፈላለዩ እታወታት ንክልላት ድጋፍ ይግበር ኣሎ ኢሎም እቶም ሚኒስትር፤ ኣብ ጣቢያታት እቲ መፈተኒ እኹል ኢንቴርነት ንክህልው ምስ ኢትዮ ቴሌኮም ብምትሕብባር ክስራሕ እዩ ኢሎም፡፡
ክልላት ኣብዚ ከይዲ ዘጋጥሙ ፀገማት ከይህለው እኹል ኮምፒዩተር፣ ኔትዎርክና ኣማራፂ ቀረብ ሓይሊን ንክህልው ፍሉይ ትኹረት ሂቦም ክሰርሑ ኣለዎም ኢሎም፡፡
ብተወሳኺ እቶም ሚኒስትር ንተምሃሮ እኹል ስልጠና ምሃብ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ብመርበብ ሓበሬታ ዝወሰዱ ተምሃሮ ቁፅሪ 134 ሺሕን 828 እንትኸውን እዚ ድማ ካብ ሓፈሻዊ ተፈተንቲ ብመንፅር እንትረአ 23 ነጥቢ2 ሚኢታዊ ነይሩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታታት ንምርካብ
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!
Comments (0)
Add Comment