ናይ ሓባር ገዛና መሰረቱ ከየናወፀ ንምንባር ናይ ሓባር መንነት ክህልወና ይግባእ- ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ናይ ሓባር ገዛና መሰረቱ ከይተናወፀ ንምንባር ናይ ሓባር መንነት ክህልወና ይግባእ ኢሎም።
መበል 20 መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ “ዲሞክራስያዊ ምርድዳእ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ሆሳእና ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ በዓል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ርእሳነ ክልላት ፣ ከንቲባ ከተማታት፣ ወከልቲ ብሄራትን ዕዱማት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ኣፈ ጉባኤ ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መሰረት ናይ ሓባር ገዛና ንምሕላው ናይ ሓባር መንነት ክህልወና ይግባእ።
ነዚ ንምፅናዕ ኣብ ብሄራውነት ዝተመስረተ ዘተኣኻኽብ ያታ ምህናፅ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡
መዓልቲ ብሄራት፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ዝኽበር ንሓድሕድና ንምልላይ፣ ባህላዊ ክብርታትን ኣሰራርሓታትን ንምልውዋጥ፣ ሃገራዊ ዲሞክራስያዊ ሓድነት ንምጥንኻር ከምዝኾነ ገሊፆም።
ከምኡ እውን ዘላቒ ልምዓት ንህንፀት ሃገረ መንግስቲን ቅልጡፍ ዕብየትን ብሄራትን ብሄረሰባትን ብሓባር ደው ክብሉ ኣብ ምግባር መሰረታዊ ሓሳባት ከምዝኾኑ ኣረዲኦም፡፡
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት እቲ በዓል ዋጋ ሓድነት ዘጠናኽሩ፣ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ዘቀላጥፉ፣ ሰላም ዘፅንዑ ማዕርነትን ሕውነትን ዘስፋሕፍሑን ዘጉልብቱን፣ ዘላቒ ልምዓትን ሓድሕዳዊ ንኩለመዳያዊ ምባለ ዘቀላጥፉ ንጥፈታት ተዓጂቡ ክክበር ምፅንሑ ኣልዒሎም፡፡
ኣብዚ ዓመት ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝተመረቐሉ፣ ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት ኣብ ዝተሰርሕሉ ፅባሕ ሃገራዊ ዘተ ንምግባር ምድላዋት ምዝዛሙ ከምኡ እውን 7ይ ሃገራዊ መረፃ ኣብ ድሮ ዝግበረሉ ምኽባሩ ዓብዩ ፍሉይ በዓል ይገብሮ፡፡
ብሶስና ኣለማየሁ
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment