ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ማሕበር ፕሮፌሽናል ተፃትቲ ኩዕሾ እግሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ኮኸብ ተፃወትቲ እዚ ውድድር ዓመት ዕላዊ ኮይኖም፡፡
ኣብቲ ሊግ 15 ደረጃ ብመሓዝ ዝኸፍአ ዓመተ ውድድር ናይ ዘሕለፈት ጋንታ ማንቼስተር ዩናይትድ ተጣዋታይ ዝኾነ ብሩኖ ፈርናንዴስ ኣብ ዝርዝር ሕፁያት ተኻቲቱ።
ብሩኖ ንማንቸስተር ዩናይትድ ሸሞንተ ሸቶታት እንተመዝግብ 10 ንሸቶ ዝኾና ኩዕሾ ኣቐቢሉ።
ተዓዋቲት ፅዋዕ ፕሪሚየር ሊግ ጋንታ ሊቨርፑል ተፃዋታይ ዝኾነ ሞሓመድ ሳላህን ኣሌክሲስ ማካሊስተር ካብ ሞንጎ ሽዱሽተ ሕፁያት ተኻቲቶም፡፡
27 ሸቶታት ዘመዝገበ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ጋንታ ኒውካስል ዩናይትድ ኣሌክሳንደር ኢሳክ ካብቶም ሕፁያት ሓደ ኢዩ፡፡
ብተመሳሳሊ ተፃዋታይ ኣርሰናል ዝኾነ ዴክላን ራይስን ተፃዋታይ ጋንታ ቼልሲ ኮል ፓልመርን ኣብ ናይ መወዳእታ ሕፁያት ከምዝተኻቱ ዝሓበረ ፀብፃብ ቢቢሲ፤ ማሕበር ፕሮፌሽናል ተፃወትቲ ኩዕሾ እግሪ ሽልማት ኮኸብ ተፃዋታይ እዚ ዓመት ኣብ ዝቕፅል ነሓሰ ዕላዊ ከምዝኸውን ገሊፁ።
ብኣቤል ንዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!