ናይ ትማሊ ሰባት ብዝዘከርና ቁፅሪ ናይ ፅባሕ ሰባት ነፍሪ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ትማሊ ሰባት ብዝዘከርና ቁፅሪ ናይ ፅባሕ ሰባት ነፍሪ ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ፡፡

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ሎሚ፣ “እንኳዕ ንበዓል ትንሳኤ ኣብፀሐኩም” ንምባል ናብ ልኡል ራስ መንገሻ ከይድና ነይርና ኢሎም።

ልኡል ራስ መንገሻ ታሪኽ ፈላጢን ምስክር ለጋን ዓብዪን ኣቦ ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሮም፡፡

ሃገሮም ብቅንዕና በቢዓውዱ ከምዘገልገሉ ብምሕባር÷ ሎሚ እውን ንቑሕን ዘካሪን ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናይ ትማሊ ሰባት ብዝዘከርና ቁፅሪ ናይ ፅባሕ ሰባት ነፍሪ ክብሉ እውን ኣንኦት ሂቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment