ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ኦሊምፒክ ስፖርትኩለ መዳይ ዓቕሚ መናእሰይ ንምጉልባይ ዘኽአል ኢዩ ኢሎም ናይ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣማኻሪ ሚኒስትር መናእሰይን ስፖርትን ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ።
መዛዘሚ መርሃ ግብሪ ካልኣይ ፀወታ ኦሎምፒክ መናእሰይ ኢትዮጵያ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ተሳሊጡ።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ኣይተ ቀጄላ መርዳሳ፣ ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም ።
ኣይተ ቀጄላ፥ ናይ ኦሊምፒክ ስፖርት ካብ ውድድር ብተወሳኺ ኩለ መዳይ ዓቕሚ መናእሰይ ንምጉልባት ዘኽእል ኢዩ ኢሎም።
ዶ/ር ኣሸብር ወ/ጊዮርጊስ ብግደኦም፥ መባል ካልኣይ ኦሊምፒክ ፀወታ መናእሰይ በግቡእነት ዕድመ ዝሓሸ ኣፈፃፅማ ዝተርኣየሉ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ብዳዊት መሃሪ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!