ናይ ክልል ትግራይ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምጅማሩ ትኽክለኛ ውሳነ ኢዩ – ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ክልል ትግራይ ኣጀንዳ ምትእኽኻብ ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምጅማሩ ትኽክለኛ ውሳነ ኢዩ ኢለን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም።

ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ቅድም ክብል ዋና ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ብምዃን እናገልገላ ምፅነሐን ይዝከር።

ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ፤ ስራሕቲ ምእካብን ምፍላይ ተሳተፍቲን ኣጀንዳ ክልል ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናካየደ ይርከብ።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ክሳብ 25 መጋቢት 2018 ዓ.ም ዝካይድ መድረኽ ዘተን ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻ ስራሕ ተወለድቲ እቲ ክልል ዝኾኑ ካብ ትግራይን ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተፈለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተውፃእፅኡ ዕዱማት እናተሳተፉ ዝርከቡሉ ኢዩ።

ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ከምዝገለፀኦ÷ ዋና ዕላማ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ኣብ መላእ ሃገር ዘለዉ ኩሎም ዓይነታት ሕቶን ፀገማትን ብኲናትን ብጉልበትን ዘይኮነስ ብሰላማዊ መገዲ ጥራሕ ክፍትሑ ኣለዎም ዝብል ኢዩ።

እቲ ከሚሽን መድረኽ ዘተ ኣብ ከልል ትግራይ ንምክያድ ብዝተፈላለዩ እዋናት ብርቱዕ ፃዕሪ ይግበር እአምበር ኣብቲ ክልል ዘሎ ብሓይሊ ጥራሕ ዝተኣማመንን ንሰላማዊ ዘተ ፍቓደኛ ዘይኮነ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምኽንያት ምክያድ ከምዘይተኽኣለ ተዛሪበን።

ትግራይ ካብ ካልኦት ክልላት ዝተፈለየት ኣይኮነትን ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ÷ ኣብ ክልል ትግራይ ምቹው ኩነታት ክሳብ ዝፍጠር መድረኽ ዘተን ኣጀንዳ ናይ ምእካብን ስራሕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንኽካየድ ከምዝተገበረ ትኽክለኛን ግቡእነት ዘለዎን ውሳነ ከምዝኾነ ገሊፀን።

ዋና ልኡኽቶ እቲ ኮሚሽን ንምዕዋት ናብ መድረኽ ዘተ ምምፃእን ፀገማት ብልዝብ ምፍታሕ ዘዋፅእ ጉዳይ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ብሰላምን ብዘተን ዝኣምን ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መድረኽ ዘተን ኣጀንዳ ምእካብን ብቅንዕና እናተሳተፈ ከምዝርከብ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna

ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana

መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna

ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment