ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ናይ ፅባሕ ኢትዮጵያና ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንክትነብር ወሳኒ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ዛዕባታት ትዝቲ ኣላ ኢሉ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ።
እቲ ኣገልግሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ፥ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያዊያንን ናይ ሓባር ኩለ መዳይን ሕልኽላኽን ዝኾኑ ፀገማቶም ብዘተ ንምፍታሕ ቆራፅ ስጉምቲ ብምውሳድ ዝተልዓልሉ እዋን ኢዩ ኢሉ።
መንግስቲ ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ዘካይዶ ዘተ ብገለልተኛ ንክፍፅም ዝጀመሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል እቲ መግልፂ ኣረጋጊፁ።
ሃገርና ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ብተፃይ ንብዙሕ ዘበናት ክትሕቆንን ብዘሰክፉ ጎንፅታት ውሽጢ ክትሓልፍን ፀኒሓ ኢያ ዝበለ እቲ መግለፂ፥ በፍላይ ንብዙሕ ዓማውቲ ኣዝዮም መሰረታዊ ኣብ ዝኾኑ ሃገራዊ ዛዕባታት ብመራሕቲ ፖለቲካን ሓሳብን ከምኡውን ኣብ መንጎ ክፋላት ማሕበረሰብ ኣፈላላይን ዘይምርድዳእን ከምዝነበረ ገሊፁ።
እዞም ዘይምርድዳኣት በቢዘበኑ እናፈታሕና ዝመፃእናሉ መገዲ ዘላቒ ምትእምማን ብዝፈጥር መልክዑ ብዘይምንባሩ ካብ ወረ ኲናትን ጎንፅን ብዛላቕነት ንከይንወፅእ ከምዝገበረና እሙን ኢዩ ኢሉ።
ብመሰረት እዚ ከም ኢትዮጵያዊያን ብሓባር ብዘይምዝታይና ዘዛመዱና ክብሪታት ንዝሽርሽሩ ኣካላት ምቹእ ኩነታት ክንፈጥር ፀኒሕና ኢና ከብል ኣብሪሁ እቲ መግለፂ።
ነዚ ብዘላቕነት ንምፍታሕ ኣብ ኣፈላላይናን ዘይምርድዳእናን ሰፋሕቲ ሃገራዊ ዘተታት ህዝቢ ሓቛፊ ብዝኾነ መልክዑ ብምክያድ ሃገራዊ ምርድዳእ ምፍጣር ኣድላዪ ብምዃኑ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ተጣይሹ ብዙሓት ስራሕቲ ምስርሑ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ብመሰረት ዝሰርሖም ስራሕቲ ኣብ 11 ክልላትን ክልተ ምምሕዳራት ከተማን ብዙሓት መዳርግቲ ኣካላትን ተሳተፍቲ ዘሳተፉ ዘተታት ምክያዶም ገሊፁ።
ኣብ ክልል ተግራይ እወን እቲ ዘተ ንምክያድ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት ይካየዱ ከምዘለዉ ኣብሪሁ።
መንግስቲ፥ እቲ ኮሚሽን ንዘካይዶም ዘተታት ብገለልየተኛ ንክፍፅም ዝጀመሮ ድጋፍ ኣጠናኺሩ ከመዝቕፅል ኣረጋጊፁ።